መዓልቲ ፍቑራት
መዓልቲ ፍቑራት
18 apr 2025 21:28
መዓልቲ ፍቑራት
18 apr 2025 09:01
17 apr 2025 19:02
ሰሙነ ሕማማት ሓሙስ
16 apr 2025 10:24
ብልቃጥ ሰይራ እግሪ ጐይታ ዝሓጸበት፣ናይ ትዕቢት ክሳድና ሰይርና ነብስና ብንስሓ ክንሓጽብ'ዩ መልእኽቱ!ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶንዕለተ ሮቡዕ እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ፍጻሜታት ይንገረላ።
15 apr 2025 17:48
ህላዌኡ ብሕቶ ንዘይብጻሕ፣ መስቅላዊ ሕቶ ሓተቱ!
14 apr 2025 09:46
ኪርያላይሶን ኪርያላሶን ኪርያላሶንሰሙነ ሕማማት ክርስቲያን ነፍሲ ካብቲ ብሃንቀውታ እትጽበዮም መንፈሳዊ ወቅትታት ብቀዳምነት ይስራዕ። ኣብ ሰሙነ ሕማማት ወጣንያን ይኹኑ ብመንፈስ ዝዓበዩ ኣብ ጽሙድ መንፈሳዊ ተጋድሎ ይቅንዩ። ቅዱስ ውዕለት ጐይታ የስተንትኑ።
13 apr 2025 16:55
ናይ ስየ ቀለቤት
6 apr 2025 16:52
ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድስ ከተማ ኣምስተርዳም እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሰላም መድሐኔ ዓለም ሓንቲ ካብተን ኣብ ሃገረ ንግሥነት ኔዘርላንድስ ዘለዋ ናይ ኤርትራ፡ ኦርቶድክስ ተዋህዶ ክትከውን እንከላ፡ ብዕለት 27 መጋቢት (ብግእዝ ) ብምኽንያት ጥንተ ስቅለት ጐይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ዓመታዊ ክብረ በዓል ተባዑሉ። ኣብ መዓልታዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብዝልዓለ ደረጃ "ንዜኑ ሞተከ እግዚኦ" እናተባህለ ስቅያት ጐይታ ምዝካር ዘየቋርጽ ኣስተንትኖን ምሥጋናን ዝወሃቦ እኳ እንተኾነ፣ ትማሊ ድማ ንመበል 1984 ግዜኡ "ዘበእንቲአሃ ለቤተ ክርስቲያን ተጸፋዕከ ውስተ አውድ" ኢሉ ብዋዜማ፡ "ስቡሕ ወውዱስ" ኢሉ ብማኅሌት፡ "ቅዱስ ኢሉ ብጸሎተ ኪዳን" ፡ አሐዱ ኢሉ ብጸሎተ ቅዳሴ፡ መርኅ በፍኖት ሞገሶም ለጻድቃን" ኢሉ ሥርዓተ ዑደት እግዚኦ መሐረነ ክርስቶስ ኢሉ ብጸሎተ ምህላ ተዛዚሙ።
25 feb 2025 22:02
ሰላም እግዚአብሔር ምስ ኩልና ይኩን።እዚ እንሰደልኩም ዘለና ናይ ሕማማት ዘለና መርሓ ግብር ኮይኑ፡ ካብ ሕጂ ኣብ ስራሕ ዘለና ይኹን ኣብ ትምህርቲ ዘለና መደባትና ክንሰርዕ እቶም ፍቃድ ምሕታት ዘድልየና ድማ ካብ ሕጂ ፍቃድ ሓቲትና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውዒልና በረከት ንረኽበሉ ባይታ ከነጣጥሕ ንምባል እዩ።
25 feb 2025 21:54
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አምላክ አሜን !
11 feb 2025 17:48
ጸሎተ ዮናስ
9 feb 2025 23:09
እቲ የዋህ ነቢይ ዮናስ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ ግዜ ገንዘቡ ከፊሉ ናብታ ናብ ተርሲስ ( ስፐይን) እትኸይድ ዝነበረት መርከብ ደየበ። ዮናስ የዋህ ስለዝኾነ ካብቲ ንሰማይን ምድርን ኣብ ኢዱ ዝጨበጠ እግዚአብሔር ክሃድም ሓሰበ፡ እዚ ድማ የዋህ ከስምዮ ይክእል። ነቢይ ዮናስ እታ መርከብ ብሰንኩ ማዕበል በርቲዕዋ እናተናወጸት ንሱ ግን ኣብ ውሽጣ ደቂሱ ነበረ። ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ 'ውን ብሰንክና እታ ኣማናዊት መርከብ ቤተ ክርስቲያን እናተናወጸት ኣብ ውሽቲ ቤተ ክርስቲያን ደቂስና ዘላና ክንደይ ንኸውን፧ እታ ነቢይ ዮናስ ዝነበራ መርከብ ንክትናወጽ ዝገበራ፡ ናብ ምጥሓል ውን ዘቅረባ ክብደት፡ እቲ ዮናስ ዝሰርሖ ሓጢኣት እምበር፡ ክብደት ንብረት ወይ ተሳፈርቲ ኣይነበረን። ምክንያቱ ቅድሚ ንዮናስ ናብ ባሕሪ ምድርባዮም ንብረት ከቢድዋ ከይከውን ብምባል ብዙሕ ንብረት ናብ ባሕሪ ደርዮም እዮም፡ ማዕበል ግን ኣይሃድአን።
4 feb 2025 20:37
ንኽብላዕ ዝጓሲ እሙን ጓሳ
26 jan 2025 09:56
ሰንበትካ ሰንበተ ኢያሪኮ ከይትኸውን ተጠንቐቕ !
17 jan 2025 08:05
በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ።
12 jan 2025 21:55
ንስሪ ደሴት ፍጥሞ
1 jan 2025 13:49
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!
1 jan 2025 13:46
ደብረ ታቦት ሓንቲ ካብተን ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ጎይታ ዝበሃላ እያ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ እግዚአብሔር ወልድ ክብሩ ዝገለጸልና፡ ጸሎት ኩሎም ቅዱሳን ውን ዝተመለሰላ እያ። ነቢይ ሙሴ ገጽ እግዚአብሔር ክርኢ ኣብ ዝሓተተሉ፡ ንእግዚአብሔር ብድሕሪቱ እምበር ብቅድሚቱ ክርእዮ ኣይተፈቅደሉን ነበረ። (ዘፀ.33፡23) እዚ ማለት ድማ ንጎይታ ብምስጢረ ተዋህዶ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ድሕሪ ምኳኑ እምበር ብቅድሚኡ ክርእዮ ከምዘይክእል እዩ ዝገልጽ። ድሕሪ ነዊሕ ዘመን እምበርኣር ሕቶ ነቢይ ሙሴን ሕቶ ኩሎም ኣበው ቀደምትን ኣብ ደብረ ታቦር ንሙሴ ኤልያስን ብውክልና ጸዊዑ መለሰሎም። ገጹ ኣርኣዮም ምስኡ ድማ ተዘራረቡ። (ማቴ፡ 17፥3) ደብረ ታቦር መድኃኔዓለም ክርስቶስ ኣባና ዘለዎ ፍቅሪ ዝገለጸላ ቅድስቲ እምባ እያ። እዛ ዕለት እዚኣ ኣማኑኤል ኣምላኽና ምስጢረ መንግስቱ ዝገለጸላ ኣዝያ ክብርትን ቅድስትን ዕለት እያ። እዛ ደብረ ታቦር ዝተባህለት እምባ ድማ ብዙሕ ምስጢርን ፍቅርን ዝተገልጸላ እምባ ስለዝኮነት ታሪኻዊትን ዝተባረኸትን እምባ እያ። እቲ ብትሕትንኡ ዝልለ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ነዛ እምባ ክዝኽራ እንከሎ፡ "ቅዱስ እምባ" ክብል ዘኪርዋ። (2ይ ጴጥ. 1፡18 )ኣብ ደብረ ታቦር ሕቶ ናይ'ቶም ዝኣምንዎን ዝጽበይዎን ዝነበሩ ነቢያት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሕቶ ናይ'ቶም ተጠራጠርቲ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብጥርጠራ ገሊኦም ኤርሚያስ ገሊኦም ኤልያስ ገሊኦም ሓደ ካብ ነብያት እዩ ዝብልዎ ዝነበሩ ውን ተመሊሱ እዩ። (ማቴ፡16፡14)እግዚአብሔር ወልድ ንሱ ሓደ ካብ ነቢያት ዘይኮነስ ኣምላከ ነቢያት ምኳኑ ከረጋግጸሎም፡ ንሙሴ ካብ ብሄረ ምዉታን ንኤልያስ ድማ ካብ ብሄረ ህያዋን ጸዊዑ ኣብ ደብረ ታቦር ኣዘራረቦም። እቲ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቱው ወደይ ንሱ እዩ ዝብል ድምጺ ናይ እግዚአብሔር ኣብ ድማ ካብ ሰማይ ኣማኑኤል ወዲ ህያው ኣምላክ ምኳኑ መስከረ። ብክርስቶስ ዝኸበርኩም ኣንበብቲ እዛ ዕለት እዚኣ ብህይወት ንዘለዉ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዝሙቱ ከይተረፈ ሕቶ ደቂ ሰባት ዝምለሰላ ዕለት እያ። ስለዚ ንእግዚአብሔር ሕቶና ብጸሎት ከነቅርበላ ይግባእ። ንሱ ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና ኢልኩም ጸልዩ፡ ኣቦና ኢልኩም ጸውዑኒ ኣነ ድማ ውሉደይ ክብለኩም እየ ስለዝበለና፡ ከም ውሉድ ንወላዲኡ ከይተሰከፈ ድሌቱ ዝሓቶ እሞ እቲ ወላዲ ከኣ ዝጠቅሞ ዝህቦ፡ ንሕና 'ውን ድሌትና ብጸሎት ክንሓትት ይግባእ እዩ። እግዚአብሔር ድማ ብርግጽ ዘድልየናን ዝጠቅመናን ኣብ ግዜኡ ክህበና እዩ። ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ወላ ኣብ ዝጋገየሉ ግዜ ካብ ጌጋኡ ክምለስን ዝምዕዶን ዝጽበዮን እምበር ዘይጸልኦን ዘይሰጎን፡ እግዚአብሔር ውን ንዓና ብንስሓ ካብ ጌጋና ክንምለስ ደኣ ይጽበየና እምበር ፈጺሙ ከምዘይጸልኣና ኣሚና፡ ብንስሓ ክንምለስ ይግባእ። በረኸት ናይ ኣብ ፍትወት ናይ ወልድ ሃብቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኩን። ኣሜን!
1 jan 2025 13:42
አልቦ ዘቅድሜሁ ወአልቢ ዘድሕሬሁ ማኅሌታይ ሰብእ ዘከማሁ፡ ያሬድ ካህን ለክርስቶስ ሰበከ ትንሳኤሁ፡ ኢየዐዱ እንስሳ ወሰብእ እምነ ሠላስ ዜማሁ።
1 jan 2025 13:29
ኣብዚ ዕለት 19 ጥቅምቲ በዓለ ዕርፍቲ ጻድቅ ኣቡነ ሰይፈሚካኤል እዩ። ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ኣብ ሃገርና ኤርትራ መስራቲ ገዳም ጻዕዳ እምባ ስላሴ እዮም። ኣብዚ ገዳም ድማ ኣብዚ ዕለት በዓለ ዕረፍቶም ብዓቢ ድምቀት ይክበር። ካብ ምሉእ ሃገር ብዝመጹ ነጋዶ ይምዕርግ። እዚ ገዳም ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ስለዝንገድ እቲ ቀዳማይ ሥላሴ ሓምለ ክከውን እንከሎ ካልኣይ ድማ ኣብ ዕለት 19 ጥቅምቲ ዝክበር ዕረፍቲ ጻድቅ ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ዝዝከረሉ እዩ። ነዚ ክብረ በዓል ፍልይ ዘብሎ ድማ ዝበዝሑ ነጋድያን መንእሰያት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ተማሃሮ ኮለጃትን ምዃኖም እዩ። https://youtu.be/jLpPoahbQsA?si=MfoRS9y-7Ybb-abAኣቡነ ሰይፈሚካኤል ዳግማዊ ሙሴ ዝበሃልሉ ምክንያት ካብ ገዳም ኣቡነ ሳሙኤል ዋልድባ ኢትዮጵያ ናብ ሃገርና ኤርትራ እናተመልሱ እንከለዉ ከምቲ ባሕሪ ኤርትራ ንሊቀ ነቢያት ሙሴ ምስ ኩሎም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ዘሕለፎም፡ ንኣቡነ ሰይፈሚካኤል ውን ምስ ኣርድእቶም ውሑጅ ሩባ ተከዘ ኣብ ክልተ ብምኽፋል ብድሩቅ መሬት ከምዘስገሮም መጽሓፈ ገድሎም ይሕብር። ካብታ ታሪኽ ዝተሰርሐ መዝሙር ኣብዚ ሊንክ ኣሎ https://youtu.be/k0gyWdveYL0?si=Jdy9O46TKtVS7rNH ዳግማዊ ሙሴ !
1 jan 2025 13:22
ወርሓዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ዘወርሓ ጥቅምት፡በዚ ዕለት እግዚአብሔር ንቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ናብ ነቢይ ሳሙኤል ብምልኣኽ፡ ናብቲ ኣብ ቤተ ልሄም ዝነብር ዝነበረ ኣቦ ዘማራይ ዳዊት ዝኾነ እሴይ ኽከይድ እሞ ካብ ደቂ እሴይ ንእስራኤል ዘመሓድር ንጉስ ክቀብዕ ለኣኾ። ነቢይ ሳሙኤል ከኣ ብመሪሕነት ሊቀ መላእክት ናብ እሴይ ከይዱ ካብ ኩሎም ደቂ እሴይ መሪጹ ንንጉሥ ዳዊት ቅብኣ ንግሥነት ቀብኦ። ቅዱስ ሚካኤል ከኣ ንዘማራይ ንጉስ ዳዊት ኣብ ምሉእ ዘመኑ ይረድኦ ነበረ።