ናይ ስየ ቀለቤት
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አሜን !
ሆሳዕና ማለት መድኃኒት ወይ ውን ሕጂ ኣድሕን ማለት እዩ። ነቢያት ብመነጽረ መንፈስ ቅዱስ እግዚአብሔር ሥጋና ለቢሱ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ኮይኑ ኣብ ሞንጎ ሕዝቡ ተረኺቡ ንዝፍጽሞም ተግባራት ገሊጾም እዮም። ኣምላኽ ብዛዕባ ምስጢረ ሥጋዌኡን ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ኮይኑ ዝፍጽሞም ተግባራትን ኣስፊሑን ኣምሊኡን ዝገለጸሉ ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ እዚ መንክር ዕለተ ሆሳእና “ኦ እግዚኦ አድኅንሶ” (ኦ ጐይታ ኣድኅን ኮታ) እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ። (መዝ 118. 25- 26) ክብል ብትንቢት ገሊጽዋ ነበረ። ኣብዛ ዕለት ብህጻናትን ቆልዑን ውን ከምዝምስገን ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ኣቐዲሙ "እም አፈ ደቂቅ ወሕጻናት አስተዳሎከ ስብሐተ በእንተ ጸላኢ ከመ ትንሥቶ ለጸላዒ ወለገፋዒ።
ነቲ ጸላእን ገፋዕን ስቕ ከተብሎ
ካብ ኣፍ ቈልዑን ህጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ። መዝ.8.2
ክብል ተነብዩ ነበረ።
ልቢ ኣምላኽ ዝተሰምየ ንጉሥ ዳዊት እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ እዛ ዕለት ኣብ ብዙኅ ትንቢት ተነብዩ ነበረ።
ኣርያም ማለት ከኣ ማኅደር እግዚአብሔር ንዝኾነ ሰማይ ዘመልክት ኮይኑ ሆሳዕና በአርያም ክብል ከሎ ኣብ ሰማይ እትነብር እግዚአብሔር ሕጂ ኣድኅን ዝብል ትርጕም ኣለዎ።
ሆሳእና ኣብ ቤተ ክርስቲያና ብድምቀት ካብ ዝክበሩ ዓበይቲ በዓላት ኮይኖም ብዝተፈልየ ብስየ ማዕሪጉ ብኣርባዕተ መዓዝን ቤተ ክርስቲያን እናዞርካ ብዜማ ካብ መዝሙረ ዳዊት ይስበኽ። ናይ ኣርባዕቲኦም ወንጌላውያን ብዛዕባ እዚ ክቡር ዕለት ዝጸሓፍዎ ወንጌል ምስ ተነበ ንኩሉም ምእመናን ካብቲ ስየ ይዕድል። ምእመናን ድማ ስየ ብኽብሪ ብምቅባል ኣብ ኣጻብዖም ብመልክዕ ጽቡቅ ቀለቤት ሰሪሖም የእትዉዎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ኣብዚ ዕለት ብዙሕ ምዕሩግ ሥርዓት ይፍጸም እኳ እንተ ኮነ ንሎሚ ግን ብዛዕባ እዛ ብመልክዕ ቀለቤት እትስራሕ ስየ ብሕጽር ዝበለ ክንርኢ ኢና።
ከምዝፍለጥ ቀለቤት ናይ ቃል ኪዳንን ክብርን ምልክት እዩ። ስየ ድማ ናይ ሰላም ምልክት እዩ። እግዚአብሔር ወልድ ካብ ሰማይ ሰማያት ናብዚ ምድሪ ወሪዱ ብምስጢረ ተዋህዶ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ዝኮነሉ ቀንዲ ዕላማ ነቲ ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ ዝብል ንድሕነት ኩልና ዘተስፉ ንኣቦና ኣዳም ዝኣተወሉ ቃል ኪዳን ብምፍጻም ኣብ ምድሪ ከምቲ ናይ ሰማይ ሰላም ንምንጋሥ እዩ።
እዚ ዕለተ ሆሳዕና ከምቲ ኣብ ማቴ. 21.1፡11 ማር. 11. 1፡11 ሉቃ. 19.28፡40 ዮሐ. 12. 12፡19 ኩሎም ወንጌላውያን ገሊጾሞ ዘለዉ ትንቢት ቅዱሳን ነቢያት ዝተፈጸመሉ ሰላም ኣብ ምድሪ ንምውሓስ "ቤተይ ቤት ጸሎት ክትከውን እያ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ንስኻትኹም ግና ቤት ጎሓላሉ ገበርክምዋ" ሉቃ.19. 46 ብምባል ዓቢ ናይ ድሕነትን ስራሕ ዝተሰርሓሉ፡ ትሕትና ናይ ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸሉ እዩ።
ስለዚ ምእመናን እንሆ ቃል ኪዳኑ ፈጹሙልና፡ ሰላሙ ሂብና፡ ትሕትናኡ ምሂሩና ንዝብል ትምህርቲ ሓዘል ምልክት፡ በቲ ምልክት ሰላም ዝኮነ ስየ፡ ምልክት ቃል ኪዳን ዝኮነ ጽቡቅ ቀለቤት ብምስራሕ ኣብ ኣጻብዖም ኣሲሮም የኽብርዎ።
"እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም!" ማቴ. 21. 9
ኣዳላዊ፡ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ቤ/ክ/ደ/ሰ/ መድኃኔዓለም ኣምስተርዳም