ንስሪ ደሴት ፍጥሞ

ንስሪ ደሴት ፍጥሞ

 

ጎይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣይሁድ መከራ ዝተቀበለሉ ዕለተ ዓርቢ ኩሎም ሓዋርያት ፈሪሖም ክሃድሙ እንከለዉ ብትብዓት ኣብ ጎኒ ጎይታ ዝቆመ፡ 

ነታ ናይ ኣምላኽ ከተማ ዝተባህለት መሕደሪ ክርስቶስ ዝኮነ ንጽሕተ ንጹሓን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም "እንሀት ኣዴኻ ተባሂሉ ዝተዋህበ፡ ነቢይ ሓድሽ ኪዳን፡ ነባቢ መለኮት፡ ንስሪ ደሴት ፍጥሞ፡ ዝኮነ ዮሐንስ፡ በቲ ንስኻ ሞት ኣይትርእን ኢካ ተባሂሉ ካብ ጎይታ ዝተዋህቦ ቃል መሰረት በዚ *ዕለት 4 ጥሪ በዓለ ዕርገቱ* እዩ። ወንጌላዊ ፡ ፍቁረ እግዚእ፡ ወልደ ነጎድጓድ፡ ተዓጎሎስ ፡ ዮሐንስ ድንግል ፡ ምድራዊ መልኣክ፡ ሰማያዊ ሰብ --- ወዘተ እናተባህለ ዝፍለጥ ኣብ ቤተ ክርስቲያና ካብ ዘለዉ ቅዱሳን ዝበዝሐ ስያሜታት ዘለዎ ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ እዩ። እቲ ንመጀመርታ ግዜ ስዕለ ኣድኅኖ ናይ ጎይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ስቅለት ስእሊ ዝሰኣለ ዮሐንስ ሓዋርያ እዩ።

ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ዴሴት ፍጥሞ ኮይኑ እናጸሓፈ ብኣእምሮ ደቂ ሰባት ዘይብጻሕ ርሕቀት ሰማያትን ርቀት መለኮትን ዝተመልከተ፡ ካብ ፍጥረት ዓለም ክሳዕ ምጽኣት ክርስቶስ ዝተገልጸሉ ናይ ሰማይን ምድርን ነቢይ ተባሂሉ ይፍለጥ። እቲ ኣብ እግሪ ጎይታ ኮፍ ኢሉ ዝተማህረ፡ ኣብ ሕቁፊ እታ "ንኩሉ ኣብ ልባ ትዓቅሮ ነበረት" ተባሂሉ ዝነግረለ ኣደ ብርሃን ቤት መቅደስ ዝኮነት ቅድስት ድንግል ማርያም ኮይኑ ትምህርቱ ዘጠናቀቀ ዮሐንስ፡ እዚ ኩሉ ናይ ነገረ መለኮት ርቀቱን ዕምቆቱ እቲ ንዓና ዝምጥን ብጽሑፍ ብምግዳፍ ድኻም እዛ ዓለም ፈጺሙ ዓረገ። ነዚ ዝመስከረ ድማ ወደ መዝሙሩ (ተማሃራይ ናቱ) ዝነበረ ታሪኹ ዝጸሓፈ ቅዱስ ኣብሮክዮስ እዩ።

 

ጸሎትን በረከትን ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን!

 

ኣዳላዊ፡ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ደ/ሰ/መድኃኔዓለም ኣ/ኣ (Amsterdam)