ንሰለስተ ዓመት ኣብ እግሩ ኮፍ ኢሎም ዝተማህሩ ደቀ መዛምርቱ፡ ጉይታ ብፍቃዱ ንሕና ንዝበደልናዮ በደል ንምክሓስ ብኢድ ኣይሁዳውያን ምስ ተኣስረ ኣበይ ኣበሉ፧ ንሱ ምእንቲ ካብ ማእሰር ዲያብሎስ ክፈትሓና ኣብዚ ለይቲ ተኣሲሩ ሓደረ። እቲ ጎይታይ ወላ ኩሎም እንተከዱ ኣነ ኣይገድፈካን እየ ዝበለ ቅዱስ ጴጥሮስ ምድርን ሰማይን ዘይውስኖ መድኃኔዓለም ብኢድ ደቂ ሰባት ብቀጢን ገመድ ዘይኮነስ ብፍቅርና ምስ ተኣስረ ኣነ ኣይፈልጦን እየ ክሳዕ ምባል ዘብጽሐት ለይቲ ከመይ ዘገርም ኣጋጥሚ ነበረ።
ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ ለይቲ ቁሪ ስለዝበርትዖን ስለዝፈርሐን ንግዚያዊ ረብሓ ክብል ንጎይታ ኣይፈልጦን ክሳዕ ምባል በጽሐ። ኣብዚ ግዜ እዚ ከምዚ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ንግዚያዊ ረብሓ ክንብል ምስ ዘይመስሉና ክንሓብር ንመድኃኔዓለም ክርስቶስ ኣይንፈልጦን ዝበልና ክንደይ ኮን ንኸውን፧ ኣስተውዕል ብቃልካ ኣይፈልጦን ስለዘይበልካ ነጻ ዘለካ ከይመስለካ፡ ናብ ቤት እግዚአብሔር ክትከዶ ዝግብኣካ ግዜ ናብ ግዚያዊ ረብሓ እንተ ኣውዓልካዮ ካብዚ ታሪኽ ዝፈሊ የብልካን። ቤተ ክርስቲያን ንምእንቲ ድሕነትና ዝተኸፍለ ዋጋ እናመሃረት ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ኣዳልያ ንዓ ተሳተፍ እናበለት ኣይደልን እንተ ኢልካያ ኣብዛ ናይ ፍርሕን ክሕደትን ለይቲ ትነብር ምህላውካ ዘኽር።
ቀጺልና ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ታሪኽ እንተ ርኢናዮ ግን ብንስሓ ተመሊሱ ሊቀ ሓዋርያት ኮይኑ ነዚ ዓለም ብስብከቱ ዘብርሀ ቅዱስ ኣቦ እዩ። ስለዚ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ብንስሓ ተመሊስና "ጎይታይ ከምዘፍቅረካ ንስኻ ትፍልጥ ኢካ" ብዝብል ትሕትና ዝመልኦ ህይወት ክነብር ጥቡቡ ይሃበና። እታ ናይ ድሕነት ግዜ ሕጂ እያ !
ብሕማማቱ ይቤዘወና !
ኣዳላዊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ቤ/ክ/ደ/ሰ/ መድኃኔዓለም ኣ/ኣ (ኣምስተርዳም)