ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!

ቅዱስ ሚካኤል፡ ከምቲ ካብ ናይ ምሥጋናታት መሳርሒ እንዚራ ንጉሥ ዝኾነ፡ ንስኻ ድማ ሓለቃን ንጉሥን ናይ ኩሎም ኣብ ሰማይ ዘለው መላእክቲ ኢኻ፡ ቀስቲ ኪድንካ ካብ መከራ ዝሕሉ እዩ። በጃኻ ናብታ ኤልያስን እዝራን ዘለውዋ ኤዶማዊት ደብተራ፣ ብኣኽናፍካ ተሰኪምካ ተማልኣኒ። ከምቲ ንባህራን ናይ ሞት ደብዳቤ ናብ ሕይወትን ክብርን ዝቀያርካሉ፡ ናይ ሓጢኣተይ ግብሪ ናብ ግብሪ ጽድቂ ክቅየር ለምነለይ። እግዚአብሔር ምእንቲ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኢሉ ይመሓረና።

ኦ ጐይታ ነፍሲ ኩሎም ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ ዝተራሕወ ገነት ኣብ ዝተነጽፈ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ኣንብር።

መጋቤ ብሉይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት

ወርሓዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ዘወርሓ ጥቅምት፡በዚ ዕለት እግዚአብሔር ንቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ናብ ነቢይ ሳሙኤል ብምልኣኽ፡ ናብቲ ኣብ ቤተ ልሄም ዝነብር ዝነበረ ኣቦ ዘማራይ ዳዊት ዝኾነ እሴይ ኽከይድ እሞ ካብ ደቂ እሴይ ንእስራኤል ዘመሓድር ንጉስ ክቀብዕ ለኣኾ። ነቢይ ሳሙኤል ከኣ ብመሪሕነት ሊቀ መላእክት ናብ እሴይ ከይዱ ካብ ኩሎም ደቂ እሴይ መሪጹ ንንጉሥ ዳዊት ቅብኣ ንግሥነት ቀብኦ። ቅዱስ ሚካኤል ከኣ ንዘማራይ ንጉስ ዳዊት ኣብ ምሉእ ዘመኑ ይረድኦ ነበረ።

በረኸትን ረዲኤትን ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።

መጽሓፈ ስንክሳር 12 ጥቅምት

https://youtu.be/ClQe77gfe2Y?si=oZ2cE5jdpbdLP53g