ክብረ በዓል ጥንተ ስቅለት 2025
ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድስ ከተማ ኣምስተርዳም እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሰላም መድሐኔ ዓለም ሓንቲ ካብተን ኣብ ሃገረ ንግሥነት ኔዘርላንድስ ዘለዋ ናይ ኤርትራ፡ ኦርቶድክስ ተዋህዶ ክትከውን እንከላ፡ ብዕለት 27 መጋቢት (ብግእዝ ) ብምኽንያት ጥንተ ስቅለት ጐይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ዓመታዊ ክብረ በዓል ተባዑሉ። ኣብ መዓልታዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብዝልዓለ ደረጃ "ንዜኑ ሞተከ እግዚኦ" እናተባህለ ስቅያት ጐይታ ምዝካር ዘየቋርጽ ኣስተንትኖን ምሥጋናን ዝወሃቦ እኳ እንተኾነ፣ ትማሊ ድማ ንመበል 1984 ግዜኡ "ዘበእንቲአሃ ለቤተ ክርስቲያን ተጸፋዕከ ውስተ አውድ" ኢሉ ብዋዜማ፡ "ስቡሕ ወውዱስ" ኢሉ ብማኅሌት፡ "ቅዱስ ኢሉ ብጸሎተ ኪዳን" ፡ አሐዱ ኢሉ ብጸሎተ ቅዳሴ፡ መርኅ በፍኖት ሞገሶም ለጻድቃን" ኢሉ ሥርዓተ ዑደት እግዚኦ መሐረነ ክርስቶስ ኢሉ ብጸሎተ ምህላ ተዛዚሙ።
- ተሳትፎ ኣባላት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብወገኖም፡ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ካብቲ ኩሉ ሰሙናዊ ዝህብዎ ኣገልግሎት ብፍሉይ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ብምስራዕ፡ ኣቀዲሙ ብክፍሊ ስብከተ ወንጌል ዝተዳለወ በራሪ ጽሑፍ( pamphlet) ንነጋድያን ምስ ተዓደለ፡ ናይ ዕለቱ ስብከተ ወንጌል ብቀሲስ ዮናስ ተኽላይ ክቅረብ እንከሎ፡ መዝሙር ብዓበይቲ መዘምራን፡ ስነ ጽሑፍ ብክፍሊ ስነ ጥበብ፡ ምክረ አበው ብቀሲስ ጸጋይ አበራ ቀሪቡ። ንጽብሒቱ ኣብ ዝቀጸለ መደብ፡- ናይ ዕለቱ ስብከት ወንጌል ብሊቀ መዘምራን ገብረማርያም ክወሃብ እንከሎ፡ ብዓበይቲ ኣዴታትን ሕጻናትን መዝሙር፡ ከምኡ ውን ላዛ ሕጽናት ብሕጻን ኤልሮኢ ምስ ቀረቡ።
ካብዚ ቀጺሉ ብጹዕ አቡነ ጳውሎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳን ዓባይ ብርጣንያን ፣ ብጽዕነቶም ኣብቲ በዓል ተረኺቦም ሕዝቦም ክባርኹን ሰላም ክብሉን ድሌቶም እኳ እንተነበረ፡ ምስ ምስፋሕ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ወከልቶም ልኢኾም። ተወኪሎም ዝተለኣኹ ልኡካን ድማ ካብ ኣቦና ናይ ቡራኬ መልእኽቶም ድሕሪ ምንባብ፡ ኣብ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሰላም ተበጺሑ ንዘሎ ህልው ኩነታት ዝምልከት ንምእመናንን ነጋድያንን ተነቢቡ።
ኣብ መወዳእታ ታቦተ ሕጉ ብለባስያን ውሉደ ክህነትን ምእመናን ተዓጂቡ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ምስ ወጽአ ብሊቃውንት ወረብን ድሙቅ መዝሙርን ምስ ኣስምዑ፡ብርክት ዝበሉ ውሉደ ክህነትን ምእመናን ዝተሳተፍዎ ክብረ በዓል፡ኩሉ ሓደ ድሕሪ ሓደ ምስ ቀረበ ብጸሎተ ምህለላ ተፈጸመ።
ነጋድያን ንዝተቀረበሎም እክለ ማይ ብምቁዳስ ፍጻሜ ናይቲ በዓል ኮነ።