ክብሪ ቅዱስ ያሬድ ብሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን


አልቦ ዘቅድሜሁ ወአልቢ ዘድሕሬሁ ማኅሌታይ ሰብእ ዘከማሁ፡ ያሬድ ካህን ለክርስቶስ ሰበከ ትንሳኤሁ፡ ኢየዐዱ እንስሳ ወሰብእ እምነ ሠላስ ዜማሁ።

ብቅድሚኡን ብድሕሪኡን ከምኡ ማህሌታይ ዝኾነ ሰብ የለን። ቅዱስ ያሬድ ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ሰበኸ፡ እንስሳ ይኹን ሰብ ድማ ካብተን ሰለስተ ዜማታቱ ዝወጽእ የለን። ብምባል ይገልጽዎ። እተን ሰለስተ ዜማታት ዝተባህላ ግእዝ፡ እዝሊ,፡ ዓራራይ እየን።
ቅዱስ ያሬድ ዓቢ ደራሲ ዜያሚ ሊቅ ናይ ቤተ ክርስቲያና እዩ። ድርሰቱ ድማ ካብቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያን ተባሂሎም ዝጽውዑ መጻሕፍቲ ዝተዋጽአ እዩ። እዞም መጻሕፍቲ
1. መጻሕፍተ ብሉያት
2. መጻሕፍተ ሓዲሳት
3.መጻሕፍተ መነኮሳት
4. መጻሕፍተ ሊቃውንት
ተባሂሎም ይጽውዑ።

ድርሰት ቅዱስ ያሬድ
1. መጽሓፈ ድጓ
2. መጽሓፈ ጾመ ድጓ
3. መጽሓፈ ዝማሬ
4. መጽሓፈ መዋሥዕት
5. መጽሓፈ ምዕራፍ


ካብዚ ተወሳኺ ውን ዓንቀጸ ብርሃን ድጋሙን ዜማኡን፡ ዓሰርተ ኣርባዕተ ቅዳሴ ዜማኡ ናይ ቅዱስ ያሬድ ማኅሌታይ እዩ።

ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ቅዱስ ያሬድ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!