በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ አምላክ አምላክ አሜን !
ዝኸበርኩምን ዝተፈተኹምን ብደም መድኃኔዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዓደግኩም ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣኣብ ዘለኹሞ ሰላም እግዚአብሔር ክህልወኩም መንፈሳዊ ምንዮትና እናገለጽና ፡ እቲ ብድምቀት እነኽብሮ ናይዚ ቤተ ክርስቲያና በዓል ጥንተ ስቕለት ናይ መድኃኔዓለም ፡ ንዕለት 4-5/04/2025 ዓ.ም.ፈ ክኸውን ተመዲቡ ኣሎ።
ስለዚ ንሕና ኩልና ከምዋናታት ናይቲ ክብረ በዓል መጠን ኣብቲ እንገብሮ ናይ በረኸት ክብረ በዓል ፡ ብኩሉ መዳይ ድልዋት ክንከውን ዋንነት ተሰሚዕና ድማ ኣብ ኩሉ ስርሓት ክንሳተፍን ንኩሉ ህዝቢ ክንዕድምን ሰበኻ ጉባኤ የዘኻኽር።
ዘለዉና መደባት ኣብ ፖስተር ንመልከቱ።
ከምቲ ኣብ መዝ4፥6: "ብዙሓት፣ ንሰናይ መን እዩ ዘርእየና ይብሉ ኣለዉ" ተባሂሉ ዝተጻሕፈልና
ሃዋርያ ፍሊጶስ ንናትናኤል ንዓ ርአ ኢሉ ፡ መንገዲ ድሕነት ኣርኣዮ ፡
ኣብ ራኢ ዮሃንስ ውን ከምዚ ይብል ,
እቲ መርዓውን እታ መርዓትን ንዓ ይብሉ ኣለዉ እቲ ዝሰምዐውን ንዓ ይበል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ፡ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ። ራኢ22፥17
ስለዚ ነዚ ብስራት እዚ ዝሰማዕኩምን ዝረኣኩምን፡ ነቶም ዘይፈለጡ ከነስምዖም ሓላፍነት ኩሉ ክርስቲያን ኢዩ ።
እቲ ጾርና ልባትና ዘቕልል መድኃኔዓለም ኣቦና ንልባትና ዕረፍቲ ይፍጠረሉ።
ጾምና ጾመ ድሕነትን ይግበረልና
ወስብሐት ለእግዚአብሔር !