ሰሙነ ሕማማት ረቡዕ: ብልቃጥ ሰይራ እግሪ ጐይታ ዝሓጸበት

ብልቃጥ ሰይራ እግሪ ጐይታ ዝሓጸበት፣ናይ ትዕቢት ክሳድና ሰይርና ነብስና ብንስሓ ክንሓጽብ'ዩ መልእኽቱ!
ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን
ዕለተ ሮቡዕ እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ፍጻሜታት ይንገረላ።

፩. ምክረ አይሁድ
፪. ማርያም እንተ ዕፍረት ንጐይታ ብሽቱ ከም ዝቀብኣቶ
፫. ይሁዳ ብ30 ዲናር ንጐይታ ከም ዝሸጦ

፩. ምክረ አይሁድ


ማሕበር ኣይሁድ ምስ ጐይታ ዘለዎ ጉዳይ እናበኣሰ ምስ ከደ፡ ዲያብሎስ ኣብ ልቦም ኣትዩ ብፍጽም ጽልኢ ልቦም ዓወረ። እቲ ኩሉ ዝገብርዎ ድማ ካብ ልቦም ዘይኮነስ ኩሉ ሓሳብ ጸላኤ ሰናያት ነበረ። ሓሳብ ጸላኤ ሠናያት ዋላ እኳ እንተኾነ ፡ ንደቂ ሰባት ናጽነት ስለ ዝነበረ ግን ፍቃድ ጐይታ ውን እዩ። ብዝኾነ አይሁድ ንጐይታ ብኸመይ ከም ዝሕዝዎ ተማኸሩ። ብዙሕ ምኽርታት እኳ እንተ ኣቅረቡ፡ ንጸላኢ ብፈታዊ ኣብ ትብል ሓሳብ ብምስምማዕ ብመንገዲ ይሁዳ ክገብርዎ ወድኡ። እዚ ድማ ንይሁዳ ብዝነበሮ ጾሮ ኣፍቅሮ ንዋይን፡ ጾር ሰብኣያ ዝተኣሰራ ሓብቱን ነበረ። ብጾር ገንዘብ ዝምልከት 30 ዲናር ክህብዎ። ጾር ሓላፍነት ስድራ ዝምልከት ድማ ብሽፍትነት ንዝተኣስረ በርባን ሰብኣይ ሓፍቱ ከፍትሕሉ ነበረ። በዚ ድማ ናይ መወዳእታ ንጐይታ ዝሕዝሉ ኣገባብ ምክሮም ኣጠናቀቁ። ስለ ዝኾነ "ምክረ አይሁድ" ዝብል ሥያሜ ትሕዝ።

፪. ማርያም እንተ ዕፍረት ብሽቱ ከም ዝቀብኣቶ!

ስማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ማርያም እንተ ዕፍረት ወይ ድማ እታ ሓጥእ ሰበይቲ ብዝብል ስም ንረኽቦ። ዲያብሎስ ንዝነበራ መልክዕ ጉብዝና ተጠቂሙ ብዝሙት መንፈስ ኣብኣ ሰልጠነ። ድሕሪ ነውሕ ግዜ ዘይጠቅም ፍጽም ሓጢኣት ምዃኑ ተገንዘበት። ብዛዕባ ጐይታ ዜና ትስምዕ ስለ ዝነበረት ሓጢኣታ ክሓድገላ፡ ከም ገጸ በረኸት ድማ ቅዱይ ሽቱ ሒዛትሉ ከደት። ኣብ እግሪ ተደፊኣ ነቲ ሽቱ ዝመልአ ብልቃጥ ሰይራ ብንብዓታ ሓጺባ ብጸጉራ ደረዘቶ። ጐይታ ድማ ንስሕኣ ተቀቢሉ ብቅድስና ሕይወት ክትመርሕ ምስ ቅዱሳን ኣንስት መደባ። ወትሩ ድማ ስማ ብንስሓ ንዝምለሱ ከም ኣብነት እናተጠቅሰ ይነብር ኣሎ።

፫. ይሁዳ ንጐይታ ብ30 ዲናር ከም ዝሸጦ!

ጐይታ ንቅድስና እኳ እንተጸውዖ ንሱ ግን ንስስዕቲ ተግሀ። ንዘልዓለም ተመሪጹ ክነሱ ንግዝያዊ ፈተወ ይሁዳ ኣስቅሮታዊ። ንጐይታ ብ30 ዲናር ሸጦ። እዚ ታሪክ ኩላትና ንፈልጦን ንሱስዓትን ዘይእሙናትን ከም መጽረፊ ንጥቀመሉን ኢና። እንተኾነ ይሁዳ ንእግዚአብሔር ወልድ ሓንሳብ ሸይጥዎ። ንሕና ግና ንእግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ግዜ ንሸጦ ኣሎና። እዚ ማለት ንዝተወሃበና መንፈሳዊ ጸጋ ኣምስያ ምድራዊ ጸጋ መተካእታ ንድልየሉ ማለት እዩ።


"ለከ ኃይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም"!!

በሕማማቱ ይቤዘወነ!!

ኣዳላዊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ቤ/ክ/ደ/ሰ/ መድኃኔዓለም ኣ/ኣ (ኣምስተርዳም)