ኣብዚ ዕለት 19 ጥቅምቲ በዓለ ዕርፍቲ ጻድቅ ኣቡነ ሰይፈሚካኤል እዩ። ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ኣብ ሃገርና ኤርትራ መስራቲ ገዳም ጻዕዳ እምባ ስላሴ እዮም። ኣብዚ ገዳም ድማ ኣብዚ ዕለት በዓለ ዕረፍቶም ብዓቢ ድምቀት ይክበር። ካብ ምሉእ ሃገር ብዝመጹ ነጋዶ ይምዕርግ። እዚ ገዳም ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ስለዝንገድ እቲ ቀዳማይ ሥላሴ ሓምለ ክከውን እንከሎ ካልኣይ ድማ ኣብ ዕለት 19 ጥቅምቲ ዝክበር ዕረፍቲ ጻድቅ ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ዝዝከረሉ እዩ። ነዚ ክብረ በዓል ፍልይ ዘብሎ ድማ ዝበዝሑ ነጋድያን መንእሰያት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ተማሃሮ ኮለጃትን ምዃኖም እዩ። https://youtu.be/jLpPoahbQsA?si=MfoRS9y-7Ybb-abA
ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ዳግማዊ ሙሴ ዝበሃልሉ ምክንያት ካብ ገዳም ኣቡነ ሳሙኤል ዋልድባ ኢትዮጵያ ናብ ሃገርና ኤርትራ እናተመልሱ እንከለዉ ከምቲ ባሕሪ ኤርትራ ንሊቀ ነቢያት ሙሴ ምስ ኩሎም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ዘሕለፎም፡ ንኣቡነ ሰይፈሚካኤል ውን ምስ ኣርድእቶም ውሑጅ ሩባ ተከዘ ኣብ ክልተ ብምኽፋል ብድሩቅ መሬት ከምዘስገሮም መጽሓፈ ገድሎም ይሕብር። ካብታ ታሪኽ ዝተሰርሐ መዝሙር ኣብዚ ሊንክ ኣሎ https://youtu.be/k0gyWdveYL0?si=Jdy9O46TKtVS7rNH ዳግማዊ ሙሴ !
ሓጺር ታሪኽ ኣቡነ ሰይፈሚካኤልን ታሪኽ ገዳም ጻዕዳ እምባ ስላሴን ከምኡ ውን ሓዋርያዊ ኣጎልጉሎት ኣቦታት ገዳም ጻዕዳ እምባ ስላሴ ዝብል ኣብ መጽሔት ከራድዮን ቁ.1 ክንረኽቦ ይከኣል እዩ።
ጽሎትን በረኸትን ጻድቅ ኣቡነ ሰይፈሚካኤል ምስ ኩልና ይኹን !