ሰሙነ ሕማማት ሰኑይ: ቤተ መቅደስ ኣንጺሁ ንበለስ ረገማ!

ኪርያላይሶን ኪርያላሶን ኪርያላሶን

ሰሙነ ሕማማት ክርስቲያን ነፍሲ ካብቲ ብሃንቀውታ እትጽበዮም መንፈሳዊ ወቅትታት ብቀዳምነት ይስራዕ። ኣብ ሰሙነ ሕማማት ወጣንያን ይኹኑ ብመንፈስ ዝዓበዩ ኣብ ጽሙድ መንፈሳዊ ተጋድሎ ይቅንዩ። ቅዱስ ውዕለት ጐይታ የስተንትኑ።

ሎሚ ሰኑይ 1ይቲ መዓልቲ ሰሙነ ሕማማት እያ። ጐይታ ድሕሪ'ቲ ናብ ኢየሩሳሌም ብኽብሪ ምእታው፡ ንቤት መቅደስ ኣንጺሁ ንበለስ ከም ዝረገማ ዝዝከረላ ዕለት'ያ። ስለ ምንጻህ ቤተ መቅደስ ታሪኹ ንህንጻ ቤት መቅደስ፡ ምሥጢሩ ንኣማናዊ መስዋዕት ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን፡ ንሕይወት ድማ ደቂ ሰባት ካብ ዝነበረ ፍዳ ምንጻህ የመልክት። ንቤተ መቅደስ ምስ ኣንጽሀ ንበለስ ምርጋሙ ድማ፡ በለስ ናይ ሓጢኣት ምሳሌ ኮይኑ፡ ንደቂ ሰባት ናብ ርኸስት ደርብዩ ዝነበረ ሓጢኣት ኣወጊዱ፡ ዳግም ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ከይህልዎ፡ ከምቲ ነታ በለስ ዘንቀጸ ንሓጢኣት ድማ፡ ዛራኡ ናብና ዛርዩ እሾኽ ከይነብቁል፡ ነቲ ናይ ሓጢኣት ዓይኒ ዛራ ዝኾነ ዲያብሎስ ኣንቀጾ ረገሞ ሰዓሮ ማለት እዩ። ብትምህርቲ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ "በአምጣነ በለስ ረገማ ለሐጢአት" ብምኽንያት በለስ ንሓጢኣት ረገማ። ንደቂ ሰባት ድማ ኣንጽሀ ባረኸ ንቅድስና ኣዳለወ።

በዚ ታሪኽ ኣቢሉ ዝተወሃበና ጸጋ ብምስትንታን ብጾምን ብጸሎትን ተጸሚድና፣ ሥጋና ክንቅድስ ነፍስና ከነንጽህ ይግባእ።

"ለከ ኃይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም"!!

በሕማማቱ ይቤዘወነ!!

ኣዳላዊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ቤ/ክ/ደ/ሰ/ መድኃኔዓለም ኣ/ኣ (ኣምስተርዳም)