ደብረ ታቦት ሓንቲ ካብተን ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ጎይታ ዝበሃላ እያ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ እግዚአብሔር ወልድ ክብሩ ዝገለጸልና፡ ጸሎት ኩሎም ቅዱሳን ውን ዝተመለሰላ እያ። ነቢይ ሙሴ ገጽ እግዚአብሔር ክርኢ ኣብ ዝሓተተሉ፡ ንእግዚአብሔር ብድሕሪቱ እምበር ብቅድሚቱ ክርእዮ ኣይተፈቅደሉን ነበረ። (ዘፀ.33፡23) እዚ ማለት ድማ ንጎይታ ብምስጢረ ተዋህዶ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ድሕሪ ምኳኑ እምበር ብቅድሚኡ ክርእዮ ከምዘይክእል እዩ ዝገልጽ። ድሕሪ ነዊሕ ዘመን እምበርኣር ሕቶ ነቢይ ሙሴን ሕቶ ኩሎም ኣበው ቀደምትን ኣብ ደብረ ታቦር ንሙሴ ኤልያስን ብውክልና ጸዊዑ መለሰሎም። ገጹ ኣርኣዮም ምስኡ ድማ ተዘራረቡ። (ማቴ፡ 17፥3) ደብረ ታቦር መድኃኔዓለም ክርስቶስ ኣባና ዘለዎ ፍቅሪ ዝገለጸላ ቅድስቲ እምባ እያ። እዛ ዕለት እዚኣ ኣማኑኤል ኣምላኽና ምስጢረ መንግስቱ ዝገለጸላ ኣዝያ ክብርትን ቅድስትን ዕለት እያ። እዛ ደብረ ታቦር ዝተባህለት እምባ ድማ ብዙሕ ምስጢርን ፍቅርን ዝተገልጸላ እምባ ስለዝኮነት ታሪኻዊትን ዝተባረኸትን እምባ እያ። እቲ ብትሕትንኡ ዝልለ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ነዛ እምባ ክዝኽራ እንከሎ፡ "ቅዱስ እምባ" ክብል ዘኪርዋ። (2ይ ጴጥ. 1፡18 )
ኣብ ደብረ ታቦር ሕቶ ናይ'ቶም ዝኣምንዎን ዝጽበይዎን ዝነበሩ ነቢያት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሕቶ ናይ'ቶም ተጠራጠርቲ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብጥርጠራ ገሊኦም ኤርሚያስ ገሊኦም ኤልያስ ገሊኦም ሓደ ካብ ነብያት እዩ ዝብልዎ ዝነበሩ ውን ተመሊሱ እዩ። (ማቴ፡16፡14)
እግዚአብሔር ወልድ ንሱ ሓደ ካብ ነቢያት ዘይኮነስ ኣምላከ ነቢያት ምኳኑ ከረጋግጸሎም፡ ንሙሴ ካብ ብሄረ ምዉታን ንኤልያስ ድማ ካብ ብሄረ ህያዋን ጸዊዑ ኣብ ደብረ ታቦር ኣዘራረቦም። እቲ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቱው ወደይ ንሱ እዩ ዝብል ድምጺ ናይ እግዚአብሔር ኣብ ድማ ካብ ሰማይ ኣማኑኤል ወዲ ህያው ኣምላክ ምኳኑ መስከረ።
ብክርስቶስ ዝኸበርኩም ኣንበብቲ እዛ ዕለት እዚኣ ብህይወት ንዘለዉ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዝሙቱ ከይተረፈ ሕቶ ደቂ ሰባት ዝምለሰላ ዕለት እያ። ስለዚ ንእግዚአብሔር ሕቶና ብጸሎት ከነቅርበላ ይግባእ። ንሱ ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና ኢልኩም ጸልዩ፡ ኣቦና ኢልኩም ጸውዑኒ ኣነ ድማ ውሉደይ ክብለኩም እየ ስለዝበለና፡ ከም ውሉድ ንወላዲኡ ከይተሰከፈ ድሌቱ ዝሓቶ እሞ እቲ ወላዲ ከኣ ዝጠቅሞ ዝህቦ፡ ንሕና 'ውን ድሌትና ብጸሎት ክንሓትት ይግባእ እዩ። እግዚአብሔር ድማ ብርግጽ ዘድልየናን ዝጠቅመናን ኣብ ግዜኡ ክህበና እዩ። ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ወላ ኣብ ዝጋገየሉ ግዜ ካብ ጌጋኡ ክምለስን ዝምዕዶን ዝጽበዮን እምበር ዘይጸልኦን ዘይሰጎን፡ እግዚአብሔር ውን ንዓና ብንስሓ ካብ ጌጋና ክንምለስ ደኣ ይጽበየና እምበር ፈጺሙ ከምዘይጸልኣና ኣሚና፡ ብንስሓ ክንምለስ ይግባእ።
በረኸት ናይ ኣብ ፍትወት ናይ ወልድ ሃብቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኩን። ኣሜን!
ኣሰናዳኢ፡ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል
ቤ/ክ/ደ/ሰ/መድኃኔዓለም ኣ/ኣ (ኣምስተርዳም)