እቲ የዋህ ነቢይ ዮናስ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ ግዜ ገንዘቡ ከፊሉ ናብታ ናብ ተርሲስ ( ስፐይን) እትኸይድ ዝነበረት መርከብ ደየበ። ዮናስ የዋህ ስለዝኾነ ካብቲ ንሰማይን ምድርን ኣብ ኢዱ ዝጨበጠ እግዚአብሔር ክሃድም ሓሰበ፡ እዚ ድማ የዋህ ከስምዮ ይክእል። ነቢይ ዮናስ እታ መርከብ ብሰንኩ ማዕበል በርቲዕዋ እናተናወጸት ንሱ ግን ኣብ ውሽጣ ደቂሱ ነበረ። ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ 'ውን ብሰንክና እታ ኣማናዊት መርከብ ቤተ ክርስቲያን እናተናወጸት ኣብ ውሽቲ ቤተ ክርስቲያን ደቂስና ዘላና ክንደይ ንኸውን፧ እታ ነቢይ ዮናስ ዝነበራ መርከብ ንክትናወጽ ዝገበራ፡ ናብ ምጥሓል ውን ዘቅረባ ክብደት፡ እቲ ዮናስ ዝሰርሖ ሓጢኣት እምበር፡ ክብደት ንብረት ወይ ተሳፈርቲ ኣይነበረን። ምክንያቱ ቅድሚ ንዮናስ ናብ ባሕሪ ምድርባዮም ንብረት ከቢድዋ ከይከውን ብምባል ብዙሕ ንብረት ናብ ባሕሪ ደርዮም እዮም፡ ማዕበል ግን ኣይሃድአን።
እምበኣር እዛ ሎም እትናወጽ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ውን ብሰንኪ ሓጢኣተይ ዶ ትኸውን ኢልና ምሕሳብ ከድልየና እዩ። እቶም ለባማት ተሳፈቲ እታ መርከብ፡ ባሕሪ እናተናወጸ ንሶም ሃዲኦም መፍትሒ ይደልዩ ነበሩ፡ እዚ ባሕሪ ብሰንኪ መን ይኸውን ዝናወጽ ዘሎ ዝብል ሕቶ ድማ ኣልዓሉ። ነቢይ ዮናስ ድማ *"እዚ ብርቱዕ ማዕበል ብሰረይ ከምዝበጽሓኩም ፈሊጠ ኣለኩ እሞ ኣልዒልኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ እቲ ባሕሪ ከኣ ክሃድኣልኩም እዩ"* (ት.ዮ.1፥12) በሎም። ነቢይ ዮናስ ሓጢኣቱ ተኣሚኑ ብሰንከይ ኩልና ካብ ንጠፍእ ኣነ ጠፈአ ንሶም ብሰላም ይእተዉ ኢሉ ወሲኑ ተላዕለ። እምበኣር ኣብዛ መርከብና 'ውን ብሰንከይ እዩ እዚ ማዕበል ፈተና እሞ ኣነ ክንሳሕ ምባል የድልየና ኣሎ። ምክንያቱ ኩልና ነዚ ዓይነት ትሕትና ምስ እንለብሶ ብርግጽ እቲ ማዕበል ክሃድእ እዩ። ኩልና ድማ ናብታ ምድራዊ ከተማ ስፐይን ዘኮነስ ናብታ ሰማያዊት ከተማ ኢዮሩሳሌም ብሰላም ክንኣቱ ኢና።
ናይ ዘመና ዮናስ ከ ኣበይ ኣሎ ፧ ኣነ፡ ንስኻ፡ ንስኺ ውሽጥና ምፍታሽ የድልየና ኣሎ። ነቢይ ዮናስ ንግዚኡ እኳ ዓሳ እንተ ወሓጦ እግዚአብሔር ግን ነታ ኣነ እየ ሓጢኣተና ዝበላ ንስሕኡ ተቀቢሉ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ከብዲ ዓሳ ብሰላም ኣዕቆቦ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ንባዕሉ ብንስሓ ድሒኑ ናብቶም ብንስሓ ክድሕኑ ዝነበሮም ሰብ ነነዌ ንኣጎልጉሎት ተላእከ። ስለዚ ንሕና ውን ምናልባት ዮናስ ኮይነ እንተ ጸናሕኩ ካብ ንዘልኣለም ንጸልማት ምፍረድ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ከብዲ ዓሳ ጸኒሕካ ምውጻእ ይሓይሽ እቶም ብሰንኪ ሓጢኣትና ዝናወጹ ዘለዉ ምእመናን ድማ ማዕበል ሃዲእሎም ብሰላም በታ ሓቀኛ መርከብ ቤተ ክርስቲያን ናብ ሰማያት ይጎዓዙ፡ ምባል የድልየና ኣሎ።
እግዚአብሔር ከም ናይ ነቢይ ዮናስ ኣነ እየ ሓጢኣተኛ ኢሉ ዝጠዓስ ልቢ ይሃበና።
ትንቢተ ዮናስ ምዕራፍ ሓደ ምሉእ ምዕራፍ ኣንብብ !
*ወስብሐት ለእግዚአብሔር !*
ኣዳላዊ ፦ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ቤ/ክ ደብረ ሰላም መድኃኔዓለም ኣ/ኣ (Amsterdam)