ሰንበትካ ሰንበተ ኢያሪኮ ከይትኸውን ተጠንቐቕ !
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ኩሉ ንትምህርትናን ንተግሳጽናን እዩ። ስለዚ ኣብ መጽሓፈ ኢያሱ ካብ ዘሎ ምውዳቅ ኢያሪኮ ዝብል ታሪኽ መበገሲ ገርና ሰንበትና ከመይ ከምዘላ ነስተውዕል። (ኢያሱ 6፥ 1- ፍጻሜ
ኢያሪኮ ብምክንያት ሓጢኣት ደቂ እስራኤል ምእታዋን ምውጽኣን እተሸግር ከተማ ኮይናትሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ እግዚአብሔር ንኢያሱ ልኢኹ ታቦተ እግዚአብሔር ብዝሓዙ ካህናት መለኸት ዕልልታ እናነፍሑ ንሹድሽተ መዓልቲ ነታ ከተማ ክዞርዋ፡ ኣብ ሻውዓይ መዓልቲ ከኣ ሸውዓተ ግዜ ክዞርዋ እሞ ብድሕሪ እዚ ኩሉ እታ ከተማ ኩላ ክትወድቕ ብዘይካ እታ ንልኡካት ኢያሱ ዘዕቆበት ኣመንዝራ ምስ ስድራ ቤታ ሓደ እኳ ከይተርፍ ኣዘዘ።
ኣብዚ ሰለስተ ነገር ነስተውዕል !
1. ሽዱሽተ መዓልቲ ታቦት ሒዞም መለኸት ዕልልታ እናነፍሑ ነታ ከተማ ምዛሮም፡ እቲ ብሓሙሽተ መዓልቲ ነዛ ዓለምን ኣብኣ ንዘሎ ንደቂ ሰባት ዘድልየና ኩሉ ኣዳልዩ ብሻዱሻይ መዓልቲ ንኣዳም ዝፈጠረ እግዚአብሔር፡ ንዑ ካብ ጥፍኣት ተመለሱ ይብል ኣሎ ንምባል እዩ።
2. ኣብ 7ይ መዓልቲ ነታ ከተማ ምጥፍኡ ድማ ንኩሉ ፍጥረታት ፈጢሩ ኩሉ ሰናይ ኮነ ኢሉ ዘዕረፈላ ሻውዓይቲ መዓልቲ ንሳቶም ግን ሸውዓተ መዓልቲ ብዘይ ዕረፍቲ ጻውዒት እግዚአብሔር ሰሚዖም ክምለሱ ብዘይምክኣቶም ኣብ 7ይ መዓልቲ ሸውዓተ ግዜ ደጋጊሙ ጸዊዕዎም ክምለሱ ብዘይምክኣሎ ተቀዝፉ።
3. እታ ነቶም ሰለይቲ ልኡኻት ኢያሱ ዘዕቆበት ኣመንዝራ ግን ምስ ስድራ ቤተ ድሕነት ረኸበት። ካብዚ ንመሃሮ ድማ ሓጢኣትካ ማዕረ ክንደይ ብዙሕ ነይሩ ብዘየገድስ ጻውዒት እግዚአብሔር ብዝተፈላለየ ግዜ ኣብ ዝሰማዕካሉ ናብ ልብኻ ተመሊስካ ቤትካ ( ልብኻ ) ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ ምስ እትገብሮ እግዚአብሔር በቲ ዘይውዳእ ምሕረቱ ድሕነት ከምዝህበካ እዩ።
ክቡር ሓወይ ሰንበትካ ናይ ዕረፍቲ ሰንበተ ክርስቲያን ድያ ዘላ ወይስ ናይ ኢያሪኮ ናይ ጥፍኣት ሰንበት፡ እስከ ዘክር እግዚአብሔር ኣብ ዕድሜካ ምሉእ ክንደይ መዓልቲ ናይ ዕልልታ መለከት ነፊሑ ንዓ ናብ ንስሓ ተመለስ ኢልካ ኣሎ፧ እሞ ከ ጻውዒቱ ሰሚዕካ ዶ ተመለስካ፧ ወይስ ከም ሰብ ኢያሪኮ እታ ናይ ውድቀት ሰንበት ትጽበያ ኣለካ ፧
እግዚአብሔር ዘፍቅረኪ ሓብተይ ምናልባት እተን ሽድሽተ መዓልቲ ጻውዒት እግዚአብሔር ዘይየስተውዓልኪ እንተ ኮንኪ እዛ ሕጂ ተንብብያ ዘለኪ ውን ዓባይ ጻውዕት እግዚአብሔር እያ፡ ኣብቲ ታሪኽ ኣብታ ሻውዓይቲ መዓልቲ ሸውዓተ ግዜ መለከት ዕልልታ እናነፍሑ ከምዝዘሩ ተጻሒፉ ኣሎ። እዚ ድማ ነቶም ኣብቲ ሽዱሽተ መዓልቲ ዘይሰምዑ ዝያዳ ዕድል ንምሃብ እዩ ዝኮነ፡ ስለዚ ኣብዛ ሻውዓይቲ መዓልቲ ውን ንንስሓ ዝከውን ገፊሕ ዕድል ኣለኪ። ኣብዚ ክንዝክሮ ዘድሊ፡ ሓጢኣትና ክንዲ ዝበዝሐ ይብዛሕ ምሕረት እግዚአብሔር ካብኡ ዝበዝሕ ዘይውዳእ ምኳኑ እዩ። ንሱ ንሓጢኣት ጸሊኡ ንሓጢኣተኛታት ዘፍቅር ርህሩህ ኣምላኽ እዩ።
ብደም ክርስቶስ ዝተዓድግኩም ምእመናን፡ እቶም ሰብ ኢያሪኮ ሓጢኣት ብምግባሮም ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ሓጢኣቶም ብዘይምምላሶም እዮም ብመዓት እግዚአብሔር ዝጠፍኡ እሞ፡ ኣብ ዘመና ውን ቤተ ክርስቲያና ብዝተፈላለየ መንገዲ ንዑ ናባይ ብንስሓ ቅረቡ፡ ናይ ዘልዓለም ህይወት ምረጹ፡ ዕረፍቲ ነፍሲ ክትረኽቡ ናብ ቤተይ ብምስትውዓል ተመላለሱ፡ እናበለት ጻውዒት እግዚአብሔር ተመሓላልፈልና ኣላ።
ስለዚ ሰንበትና ከምቲ እግዚአብሔር ዝሰርዓ ናይ ዕረፍቲ ናይ ቅድስና ሰንበት ክትኮነልና ናብ እግዚአብሔር ንቅረብ፡ "ንመዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር" ዝብል ቃሉ ንዘክር።
ኣብ ዘመነ ሓዲስ ኪዳን ናይ ምሕረት ዘመን ስለዝኮነ ቁጥዓ እግዚአብሔር ብዓይንና ዘይክንርእዮ ንክእል ኢና፡ እንተ ኮነ እታ ተስፋ መንግስተ ሰማያት ዘለዋ ነብስና ኣብ ውሽጥና ከም ከተማ ኢያሪኮ ዓንያ ከይትህሉ ክንሓስብ ይግባእ። እግዚአብሔር መለኸት ዕልልታ ጻውዒቱ ሰሚዕና ናብ ንስሓ ንቀልበሉ ንጹህ ልቢ ይሃበና፡ መንፈስ ቅዱሱ ኣይፈለየና።
በረኸት ናይ ሰንበተ ክርስቲያን ቅድስት ይኽፈለና !
ወስብሐት ለእግዚአብሔር !
ኣዳላዊ ፦ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ቤ/ክ ደብረ ሰላም መድኃኔዓለም ኣ/ኣ (Amsterdam)