ጸሎተ ዮናስ

ጸሎተ ዮናስ

ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ኾይኑ፡ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኹ ጸለየ።

 

"ካብ መከራይ ዝተላዕለ ናባኻ ናብ እግዚአብሔር ኣእወኹ፡ ንስኻ ከኣ መለስካለይ። ኣብ ዓዲ ምዉታት ኮይነ ኣእዌኹ፡ ንስኻ'ውን ድምጸይ ሰማዕካ። ንስኻ ናብቲ መዓሙቅ ናብ ልቢ ባሕሪ ደርቤኻኒ ወሓይዝ ከበቡኒ ኩሉ ማዕበልካን ሞገድኻን ብልዕለይ ሓለፈ። ኣነ ኸኣ ካብ ቅድሚ ኣዕይንትኻ ተሰጎጒኩ፡ ግናኸ ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ክጥምት እየ ኢለ ሓሰብኩ። ማያት ኣጥሓለንን ሓነቐንን፡ መዓሙቅ ባሕሪ ከኣ ኣስጠመኒ፡ ሳዕሪ ባሕሪ ኣብ ርእሰይ ተጠምጠመ። ናብ መሰረት ኣኽራን ናብቲ መዓጹኡ ንሓዋሩ ዕጽዊ ዝኾነ ምድሪ ወረድኹ። ንስኻ ግና ኦ እግዚአብሔር ኣምላኸይ፡ ብህይወተይ ካብ ጉድጓድ ኣውጻእካኒ። ክመውት ቀሪበ ክጸዓር 'ከለኹ ኦ እግዚአብሔር ኣምላኸይ ናባኻ ጸሌኹ፡ ንስኻ ከኣ ኣብ ቅዱስ መቕደስካ ዄንኻ ሰማዕካኒ። እቶም ከንቱ ዝኾኑ ኣማልኽቲ ዘምልኹ ንኣካ ንወሃብ ጸጋኦም ይሓድጉ። ኣነ ግና ብመዝሙር ከመስግነካ እየ፡ መሥዋእቲ ከቕርበልካ እየ፡ ነቲ ዝተመባጻዕክዎ ኸኣ ክፍጽሞ እየ፡ ምድሓን ካባኻ ካብ እግዚአብሔር እዩ።"

 

ሽዑ ብትእዛዝ እግዚአብሔር እቲ ዓሳ ንዮናስ ናብቲ ንቑጽ ምድሪ ተፍኦ።

 

*ትንቢተ ዮናስ ምዕራፍ 2*

 

    *ወስብሐት ለእግዚአብሔር!*

 

ኣዳላዊ ፦ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ቤ/ክ ደብረ ሰላም መድኃኔዓለም ኣ/ኣ (Amsterdam)