ብርሃናተ ዓለም ጴጥሮስ ወጳውሎስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!


ሰላመ እግዚአብሔር ምሳኻትኩም ይኹን ናይ እግዚአብሔር ቤተሰብ፡ ኣኣብ ዘለኹሞ ሰላምን ጥዕናን ንምነየልኩም። ርሑስ ኣውደኣመት ይግበረልና። ብምቅጻል ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብዓቢይ ክብሪ ካብ ዝዝከሩን ዝበዓሉን በዓላት፡ ዕለት ፭/5 ሓምሌ ብምኽንያት ዕረፍቲ ብርሃናተ ዓለም፡ ኣዕማደ ቤተ ክርስቲያን፡ ወሰማዕተ ጽድቅ ሊቀ ሓዋርያት ጴጥሮስን ብርሃን ዓለም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስን እዩ። በረኸቶም የካፍለና! ።
እዞም ክልተ ቅዱሳን ፡ "ሑሩ ወመሐሩ ኲሎ ኣሕዛበ" (ማቴ፡፳፰፥፲፱/28፥19) ንዝብል ቃል ጎይታ ንምፍጻም፡ ወንጌል ንምስፋሕ፡ ንዓለም! ጨው ኮይኖም ዘመቀርዋ፡ መብራህቲ ኮይኖም ዘብርህዋ፡ ንብዙሓት ኣእሚኖምን ኣጠሚቖምን ካብ ኣምልኮተ ጣዖት ናብ ኣምልኮተ እግዚኣብሔር ብምምጻእ፡ ሠናይ ገድሊ ብምግዳል፡ ጉያኦም ወዲኦም ናይ ጽድቂ መሰኻኽር ብምዃን ኣብ ሓደ ዕለት ብሰማዕትነት ዝሓለፉ ሓዋርያት እዮም። ብርሃናተ ዓለም ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን፡ ንቤተ ክርስቲያን እቶም ብቃልን ብግብርን ብጽሑፍን ዓቢይ ኣበርክቶ ዘበርከቱ ብምዃኖም፡ ቤተ ክርስቲያን ብዓቢይ ክብርን ዝኽርን ዕለት ፭/5ተ ሓምሌ ትዝክሮም።

ሎቱ ስብሐት! ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ምግፋፍ ዓሳ ጸዊዑ፡ "ገፈፍቲ ዓሳ ዘይኮነ፡ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ሰዓበኒ"(ማቴ፡፬፥፲፱/4፥19) ብምባል፡ ንቅዱስ ጳውሎስ ውን ንክርስቲያን ካብ ምስዳድ ጸዊዑ፡ "በሊሕ ነገር እንተ ረገጽካ ንርእስኻ እዩ ዝገደካ"(ግብ፡፱፥፭/9፥5) ብምባል፡ ንሕዝቡ ክመርሑን ክምህሩን፡ ናብ ናይ ጽድቂ ጎደና ከምጽኡን ምስ ጸውዖም፡ ከም ናይ ይሁዳን ዴማስን ንድሕሪት ከይተመልሱ፡ ክሳዕ መወዳእታ ብምግዳል ኣኽሊል ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ቅዱሳን እዮም።

ንዝተጸውዕሉ ምስፋሕ ስብከተ ወንጌል ከኣ፡ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ሓያላትን፡ "ንሥጋኹም ዝቀትሉ ግና ንነፍስኩም ምቅታል ዘይክእሉ ኣይትፍርሕዎም፡ ዝብል ናይ ጎይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ተቐኒቶም ንቤተ ክርስቲያን ኣብሪሆም፡ "ኣልቦ ነገር ዘኢተሰምዓ ቃሎሙ፡ ውስተ ኲሉ ምድር ወጽአ ነገሮሙ፡ ወእስከ አፅናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦሙ" ዝብል ትንቢት ነቢየ እግዚአብሔር ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ብግብሪ ፈጺሞሞ እዮም። ስለ ክርስትና ኪኖ ብቃል ብግብሪ ዝሰበኹ፡ ምስ ነገሥታት ፊት ንፊት ገጢሞም ዝሠዓሩ፡ ነቲ ክረኽቦም ዝኽእል ናይ መከራ ፅዋዕ ንምቕባል ድልዋት ብምዃን፡ ስለ ነገረ ሃይማኖት ብስፍሓት ምሂሮምን ሰቢኾምን።

እዞም ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ብቃልን ብግብርን ብጽሑፍን ንሕዝቢ ምሂሮም፡ ምውታት ብምንትሳእ፡ ሕሙማት ብምፍዋሥ፡ ልቢ ምእመናን ዘጽንዑን ዘደልደሉን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣዕማድ እዮም።

በረኸቶምን ጸሎቶምን ኣይፈለየና።