ሰሙነ ሕማማት ሓሙስ
"ኣነ ተዘይሓጺበካ ምሳይ ግደ የብልካን"!
ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን
ዕለተ ሓሙስ መግቦት፡ ትሕትና፡ ስርዓት፡ፍቅሪ ተኣዛዝነት፡ ብዙሕ ምፍቃር፡ ናይ ግብሪ ክርስትና ዝተፈጸመላ ዕለት እያ። ኣብዛ ዕለት ጐይታ ቅዱስ ቁርባን ሠርዐ፡ እግሪ ደቀ መዛምርቱ ሓጸበ፡ገዛእ ርእሱ ድማ ንተበጃውነት ኣዳለወ።
ንሐዋርያት ቀዲሙ ኣብ መሕጸቢ ዝበጽሐ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ጎይታናን መድሐኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክሓጽበኻ ምስ ቦሎ፡ ብትሕትና ጐይታይ! ንስኻ ፍጹም ኣይትሓጽበንን ኢኻ በለ፧ መድኃኔዓለም ክርስቶስ ድማ "ኣነ ተዘይሓጺበካ ምሳይ ግደ የብልካን በሎ። ዮሐ. 13፡ 5፡9 ከቢድ ቃል! ምስ ጐይታ ግደ ወይ ክፍሊ የብልካን ማለት፣ ኪኖ ርሑቅ ክትሓስቦ ኣዝዩ ዘፍርሕ ስለ ዝነበረ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ንስኻ ተዘይሓጺብካኒ ምስኻ ግደ ዘይብለይ ምስ ዝኸውን፡ ኣእጋረይ ጥራይ ዘይኮነስ ምሉእ ነፍሰይ ሕጸበኒ። እዛ ቃል እንተ ኣስተንቲናያ ቆራጽነት ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት እያ ተረድኣና። ሎሚ ብዙሓት ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ትሕትና ብዝመስል ስንፍና ተዋሒጥና፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እናሃለና ምስ ጐይታ ክፍሊ ዘይብልና ክንደይ ኮን ንኸውን፧
እግሩ ዘይትሓጽበ ምስ ጐይታ ኣብ መኣዲ ምቅራብ ኣይክእልን። ሎሚ ብንስሓ ዘይትሓጽበ ኣብ መኣዲ ጐይታ ምቅራብ ኣይክእልን። ኣብ መኣዲ ጐይታ ዘይቀረበ ድማ ምስ ጐይታ ክፍሊ የብሉን። ዕላማ ጾምና ጸሎትና ምስ ሥጋና ኣድኪምና ምስ ጐይታ ኣብ መኣዲ ክንቅረብ እምበር ስርዓት ንምፍጻም እንተ ኾይኑ ካብ ልምዲ ሓሊፉ መንፈሳዊ ለውጢ ከምጽኣልና ስለ ዘይክእል ኣዚና ክንጥንቀቅ ይግብኣና።
"ለከ ኃይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለም"!!
በሕማማቱ ይቤዘወነ!!
ኣዳላዊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ቤ/ክ/ደ/ሰ/ መድኃኔዓለም ኣ/ኣ (ኣምስተርዳም)